ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ምምቅራሕ ስደተኛታት ዘትዩ

ሕብረት ኤውሮጳ ብዛዕባ ምምቅራሕ ስደተኛታት ዘትዩ

Radio Erena : 23 September 2015

Euu

ሚኒስተር ጉዳያት ውሽጢ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዝሒ ስደተኛታት ንምምቅራሕ ኣብ ዝብል ጉዳይ ንምዝታይ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ መዓልታት ንካልኣይ ግዜኦም ርክብ ኣካይዶም።

ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ ዘካየድዎ ርክብ፣ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብኣሽሓት ዝንህር ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ብፍላይ ሶርያውያን ንምምቅርሖም ዝቀረብ ንድፊ ብሪጣንያ ነጺጋቶ።

ብሪጣንያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ጻዕሪ ክግበርን እቶም ናይ ቁጠባ ጸገም ጥራይ ዘለዎም ድማ ነናብ ሃገሮም ክምለሱን ብዝያዳ ከምእትደፍኣሉ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ተረሳ መይ ኣብቲ ናይ ብራስለስ ርክብ ሓቢራ።

 

ኣብዚ ናይ ትማሊ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ፈረንሳን ካብ ሶርያን ኤርትራን ንዝመጹ 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምምቅራሕ ውጥን ከምዘለወን ደጊመ ከረጋግጻ እንከለዋ ዝበዝሓ ሃገራት ኤውሮጳ ግና ስኽፍትአን’የ ገሊጸን።

ኣብዘን ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ብመንገዲ ግሪኽን ኢጣልያን ናብ ሰሜን ኤውሮጳ ናይ ዝወሓዙ ብዝሒ ስደተኛታት ልዕሊ 120 ሽሕ በጺሑ ኣሎ።

ነዚ ብዝሒ’ዚ ንምምቅራሕ ድማ’ዮም ሚኒስተራት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ ዝዘተዩ።

ዝበዝሓ ሃገራት ናይ ምምቅራሕ ሓሳብ ምስናይ ስክፍትኡ ክድግፋ እንከለኣ ኣብ ኣተገባብርኡ ግና ኣይወሰናን።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0