ዕልዋ ቡርኪና ፋሶ ብዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ከምዘይተደገፈ ይግለጽ ኣሎ

ዕልዋ ቡርኪና ፋሶ ብዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት ከምዘይተደገፈ ይግለጽ ኣሎ

Radio Erena : 23 September 2015

Dien

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ካብ ዝበዝሑ ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ደገፍ ብዘይምርካብ ክፈሽል ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብጀነራል ጂልበርት ዲየንደረ ዝተካየደ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ብሓገዝ ኣባላት ሓለዋ ፕረዚደንትን ገለ ኣሃዱታት ሰራዊትን ዝተፈጸመ እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ብሓለቓ ስታፍ ዝምራሕ ሰራዊት እታ ሃገር እቲ ጀነራል ክእለ ጸዊዑ ኣሎ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ቡርኪና ፋሶ፣ እቲ ጀነራል ኣብ ዝቀልጠፈ ስልጣኑ ናብ ፕረዚደንት እታ ሃገር እንተዘየረኪቡ፣ ኣብ ልዕሊኡ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ክፍኑ ምዃኑ ኣጠንቒቑ።

 

እንተኾነ ንፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ዝዓለወ ጀነራል ዲየንደረ፣ መራሒ ሃገር ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍኖ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ዓጸፌታ ክምልሰሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ብርጌደር ጀነራል ዲየንደረ ኣብ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ዕልዋ ብምምራሕ ንካምፓኦረ ናብ ስልጣን ክመጽእ ከምዝሓገዞ መዛግብቲ እታ ሃገር ይጠቕሱ።

ቡርኪና ፋሶ፣ ዘይርጉእ ፖለቲካን ተደጋጋሚ ወትሃደራዊ ዕልዋታት ዝተራእየላን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ሃገር’ያ።

ካብ ሕዳር 2014 ኣትሒዙ ድማ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ብፕረዚደንት ሚኪኤል ካፋንዶ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ መስሪታ ጸኒሓ።

ኣብ 11 ጥቅምቲ 2015 ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ ዝተወጠነሉ እዋን ድማ ብብርጋዴር ጀነራል ዲየንደረ ዝምራሕ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዕልዋ ፈጺሙ ይርከብ።

እዚ ወትሃደራዊ ጉጅለ ፈጺምዎ ዘሎ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ሕብረት ኤውሮጳን ጎረባብቲ ሃገራትን’ውን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ዕልዋ ፈጺሙ ዘሎ ወትህደራዊ ጉጅለ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ’ውን ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።

መራሕቲ ናይ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቅዋም ኣብ ግብሪ ስለዘየውዕሉን ውሑስ ምስግጋር ስልጣንን ስለዘየተግብሩን፣ ደማዊ ዕልዋ ምክያድ ከም ንቡር ፍጻሜ’ዩ ዝውሰድ።

==============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0