ኣብያተ ትምህርቲ ኬንያ ብሰንኪ ኣድማ መማህራን ይዕጾ

ኣብያተ ትምህርቲ ኬንያ ብሰንኪ ኣድማ መማህራን ይዕጾ

Radio Erena: 22 September 2015

Kenya

መማህራን ኬንያ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ብምክያዶም፣ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርቲ እታ ሃገር ተዓጽዩ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መማህራን እታ ሃገር፣ ካብ ፈለማ ወርሒ መስከረም ኣትሒዞም ናይ ደሞዝ ወሰኽ ብምጥላብ’ዮም ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ።

ዝመጽእ ወርሒ ሃገራዊ ፈተና ከካይዱ ትጽቢት ዝንበረሎም ኣስታት ሓደ ሚልዮን ተማሃሮ ብሰንኪ’ዚ መማህራን ዘካይድዎ ዘለዉ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ተሰናኺሎም ምህላዎም’ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር የረድኣ።

 

ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ’ውን ክዕጸዋ፣ ካብቶም ኣድማ ዘካይዱ ዘለዉ መማህራን ጻውዒት እኳ እንተቐረብ፣ ዝበዝሓ ካብኣተን ኣይተቀበልኦን።

ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፣ ብመማህራን ንዘቕረብዎ ጠለብ ብምድጋፍ፣ ደሞዝ መማህራን ብ50 ሚእታዊት ክብል እኳ እንተወሰነ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ኣይተቐበሎን።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ መማህራን እኹል ደሞዝ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፣ ወሰኽ ደሞዝ እንተተጌሩሎም ንቁጠባ እታ ሃገር ከዘናብዕ ከምዝኽእል ኣመልኪቱ።

እዚ ብመማህራን ኬንያ ዝቐረብ ዘሎ ሕቶ፣ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ 1997 ዝቐረብ ጠለብ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝኣተወሎም መብጽዓ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምሉእ ብምሉእ ከምዘየተግረረ’ዮም ዝወቕሱ።

ፕረዚደንት ኬንያታ በንጻሩ፣ መንግስቲ ነቲ ናይ ቅድሚ 18 ዓመታት መብጽዓታት ብምሉኡ ከምዝፈጸሞ’ዩ ዝገልጽ።

ኮሚሽን ላዕለዋይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብዛ መማህራን ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ዘካይዱላ ዘለዉ ኬንያ፣ ዝሓለፈ ሰሙን 35 መማህራን ከምዝቖጸረ ይዝከር።

ነቲ መስርሕ ዘሳለጠ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም፣ ካብ ኬንያ መማህራን ክቖጽሩ ዘድለየሉ ምኽንያት፣ እታ ሃገር ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ ስለዘለዋ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

=====================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0