ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኢትዮጵያ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ብሓገዝ ክህባ’ዩ

Radio Erena: 16 June 2020

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንኢትዮጵያ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝህባ ንመግለጺ እቲ ሕብረት ብምጥቓስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ 19 ቢልዮን ብር ወይ ድማ 487 ሚልዮን ኤውሮ ዝተገመተ ሓገዝ፣ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ኣጋጢሙዋ ንዘሎ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ንምድጋፍ፣ ትካላት ጥዕና እታ ሃገር ንዝህብኦ ንዘለዋ ኣገልግሎት ብዘይመሰናኽል ንምቕጻል ግዝያዊ መወሸቢ ማእከላት ንምድላውን ክውዕል’ዩ።

እቲ ሕብረት ኣቐዲሙ፣ ብለበዳ ኮረና ቫይረስን ዕስለ ኣንበጣን ንዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝውዕል፣ ንኤርትራን ሱዳንን ዝገለለ፣ ንኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ልዕሊ 110 ሚልዮን ዶላርሓገዝ ኣበርኪቱ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0