ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን ኣብ ዋሕዚ ስደትን፣ ዞባዊ ምዕባለን ዘተኮረ ዋዕላ ኣካዪዶም

ሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን ኣብ ዋሕዚ ስደትን፣ ዞባዊ ምዕባለን ዘተኮረ ዋዕላ ኣካዪዶም

Radio Erena: 01 October 2017

 igad_eu meetingሕብረት ኤውሮጳን ኢጋድን ኣብ ዋሕዚ ስደትን፣ ዞባዊ ምዕባለን ዘተኮረ ዋዕላ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ብዓርቢ ዕለት 29 ዝተኻየደ ዋዕላ ብወገን ሕብረት ኤውሮጳ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝምድናታት ወጻኢ ክርከቡ እንከለዉ፣ ብወገን ኢጋድ ከኣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ዩጋንዳን ሱዳንን ከምዝተሳተፉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ንጸጥታን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ድኹም ቁጠባዊ ምዕባለ፣ ስግረዶብ ገበናት፣ ዋሕዚ ስደት ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ከምዝተላዕሉ፣ ካብ ብራስለስ ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

 

          ብፍላይ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን፣ ጉዳይ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ኬንያ፣ ዋሕዚ ስደትን ዘይሕጋዊ መሸጣን ምስግጋርን ደቂሰብ፣ ከምኡ’ውን ደገፍ ፕሮጀክታት ምዕባለ ሕብረት ኤውሮጳ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝብሉ ኣርእስታት ሰፊሕ ምይይጥ ከምዝተኻየደሎም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

         ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ንጉዳይ ሶማላውያን ስደተኛታት ኣብ ምስላጥ ኣበርቲዑ ክሰርሕ፣ ነቲ ምስ ኢጋድ ዝተበጽሐ ስምምዓት ዝከታተሉን ዘተግብሩን ላዕለዎት ሰበስልጣን ክመዝዝ፣ ጸብጻቦም ከኣ ኣብ ዝመጽእ ዋዕላ ሚኒስተራት ከቕርቡ ዝብል ውሳኔ ምሕላፉ ሓቢሩ።

         ተመሳሳሊ ዋዕላ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2017 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0