ሰበስልጣናት ዝርከብዎም 21 ኢትዮጵያውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

ሰበስልጣናት ዝርከብዎም 21 ኢትዮጵያውያን ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

Radio Erena: 01 October 2017

ethio corruptionኣብ ኢትዮጵያ ብብልሽውና ናይ ዝተጠርጠሩ ሰበስልጣናትን ደላሎን ሃድን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ምኽትል ሚኒስተር ፋይናንስን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዝርከቦም 21 ክሱሳት ናብ ፍርዲ ቀሪቦም።

ሺን ሁዋ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ እቶም ብቀዳም 30 መስከረም ኣብ ፍርዲ ዝቐረቡ 21 ውልቀሰባት፣ ብሚልዮናት ዶላራት ዝግመት ገንዘብ መንግስቲ ብምጥፍፋእ፣ ዘይሕጋዊ ክፍሊት ንደላሎ ምሃብን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ናብ ናይ ውልቂ ሕሳቦም ብምስግጋር ዝብል ክስታት ከምቐረበሎም የመልክት።

 

እቲ ቤት ፍርዲ ካብ ክሱሳት ንዝቐረበ ናይ ዋሕስ ሕቶ ንምውሳን ንዕለት 15 ጥቅምቲ ቆጸራ ሒዙሎም ከምዘሎ ሺንሁዋ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ብኻልእ ወገን ባንክ ዓለም ናይ 1.3 ቢልዮን ዶላር ለቓሕን ሓገዝን ንኢትዮጵያ ክህብ ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እዚ ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዘሎ ናይ 700 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምሕያሽ፣ ከምኡ’ውን ኣብ world bankጽላታት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሕርሻን ተሓታትነት ንምምዕባል ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ናይ 600 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከኣ፣ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ 8 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ኣምሳያ ተሳትፎታቶም ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከባቢ 7.8 ሚልዮን ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝውዕል ረዲኤት ከምዘድልዮ ምሕታቱ ዝዝከር’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0