ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ቀዋሚ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ትሃንጽ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ቀዋሚ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ትሃንጽ

Radio Erena: 15 December 2017

emirates

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ቀዋሚ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ትሃንጽ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ፕርዚደንታዊ ምርጫ ዝተዓወተ ሓድሽ መራሒ እታ ርእሰ ምምሕዳር ሙሳ ቢሒ ዓብዲ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ብሕቡራት ኢማራት ዝተወጠነ መደብ ምቛም ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝድግፍ ድሕሪ ምርግጋጹ’ዩ እቲ ምህናጽ ብወግዒ ጀሚሩ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ የመን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተጸሚዳ እትርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ንወደብ ዓሰብ ከም መናሃርያ ሓይሊ ባሕርን ኣየርን ትጥቀመሉ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

 

እዚ ኣብ ሶማሊልናድ እትሃንጾ ዘሎ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ምዝዛሙ፣ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ መዓስከራ ክትጥቀመሉ ድያ ወይስ ክትሓድጎ ዝተነጸረ ነገር የለን።

እታ ሃገር፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ሶማሊላንድ እትሃንጾ ዘላ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ንወደብ በርበራ ናይ ምስፋሕ ፕሮጀክት’ውን ጀሚራቶ ከምዘላ’ዩ ተሓቢሩ።

ወደብ በርበራ ድሕሪ ምስፍሑ፣ ኣብ ትሕቲ’ቲ ብዱባይ ዝውነን ናይ ወደብ ኣገልግሎት DP World ንኽመሓደር ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ እቲ ወደብ ን30 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ዱባይ ኣብ ዝመሓደረሉ፣ ብዘይካ’ዚ ንኢትዮጵያን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራትን ዝህቦ ኣገልግሎት፣ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ’ውን ከተኣታቱ ትጽቢት ይግበረሉ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0