ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝምወሉ ናይ ልምዓት መደባት ዝውዕል 2 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ

ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ኤርትራ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝምወሉ ናይ ልምዓት መደባት ዝውዕል 2 ሚልዮን ዶላር ለጊሳ

Radio Erena: 14 December 2017

Swiss UN Eritrea

መንግስቲ ስዊዘርላንድ፣ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ልምዓት መደባት ዝውዕል 2 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝለገሰ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ካብ ኣስመራ ኣፍሊጡ።

እቲ ወኪል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፣ እቲ ናይ ሓገዝ ስምምዕ ኣብ መንጎ ወኪል ልምዓትን ምትሕግጋዝን ስዊዘርላንድ ገርሃርድ ሴግፍረድን ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ኣብ ኤርትራ ሱዛን ንጎንግን’ዩ ብ7 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ተኸቲሙ።

እቲ ብስዊዘርላንድ ተለጊሱ ዘሎ ገንዘብ፣ ኣብ ምምዕባል ሞያዊ ክእለት መንእሰያት ክውዕል ምዃኑ ኣብቲ ስምምዕ ተሓቢሩ።

ዕላማ’ቲ ብስዊዘርላንድ ዝተለገሰ ገንዘብ፣ ንመንእሰያት ሞያዊ ስልጠና ብምሃብ ዓቕሞምን ኣታዊታቶምን ብምዕባይ ናብ ስደት ከየቛምቱ ንምግባሮም ምዃኑ ዝሓበረ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ካብ ኤርትራ፣ ነዚ ንምትግባር ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ናይ 25 ሚልዮን ዶላር ፕሮጀክት ተሰሪዑ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም ልምዓት ልዕሊ 7 ሚልዮን ካብዚ ክምውሎ እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ከኣ ከም ስዊዘርላንድ ዝኣመሰላ ለገስቲ ሃገራት ክሽፍንኦ ትጽቢት ኣሎ።

ይኹን’ምበር ኣውራ ጠንቒ ስደት መንእሰያት፣ ኣብ ኤርትር ዘሎ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምዃኑ፣ ብሓገዝን ስልጠና መንእሰያትን ጥራይ ስደት ኤርትራውያን ደው ክብል ከምዘይኮነ ሓያሎ ወገናት ይሰማምዑ።

ፓርላማ ስዊዘርላንድ ብ4 ታሕሳስ፣ ኣብ ጉዳይ ናብታ ሃገር ዝውሕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን ድሕሪ ምዝታይ፣ ኣብ ኤርትራ ኤምባሲ ንምኽፋት ኣብ ዝብል ነጥቢ ከምዝተኻትዓሉ ኣቐዲሙ ምሕባሩ ይዝከር።

እንተኾነ እቲ ፓርላማ ኣብቲ ጉዳይ ዝተፈላለየ መርገጺታት ብምሓዙ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2018 ደጊሙ ክዝተየሉ ተወሲኑ።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0