ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ተናዊሑ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ተናዊሑ

Radio Erena: 10 July 2018

emarat militaryሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 12ኣዋርሕ ዝነበረ ግዴታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 16 ኣዋርሕ ከምዘናውሓቶ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከተናውሖ ትግደድ ዘላ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት’ዩ።

ብፈደረሽን ናይ ትሽዓተ ኢማራት ዝቖመት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፉ ዘገድድ ኣዋጅ ኣብ 2014 ምውጽኣ ይፍለጥ።

ደቂንስትዮ’ውን ፍቓድ ወለዲ እንተረኺበን ብድሌተን ኣብዚ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክሳተፋ ከምዝኽእላ እቲ ኣዋጅ ይጠቅስ።

ኣስታት 9 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብዚ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት ካብ ካልኦት ሃገራት ዝዓሰበቶም ወትሃደራት ብብዝሒ ተሳትፍ ከምዘላ’ዩ ዝንገረላ።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0