ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ክልዓል ሓቲታ

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ክልዓል ሓቲታ

Radio Erena: 09 July 2018

UN Ethiopia

ካብ ናይ ኤርትራ ዑደቱ ሎሚ 09 ሓምለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ክልዓለ ሓቲቱ።

ኣገልግሎት ቲቪን ሬድዮ ኢትዮጵያን ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነዚ ዝሓተተ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ምስ ዘካይድ ዘሎ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዩ ጉተረስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን’ዩ።

ዘይቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ እገዳ ክትግበር ብዝልዓለ ክነጥፋ ካብ ዝጸንሓ ሃገራት ሓንቲ’ያ።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናብ መኣዲ ዘተ ሰላም ምቕራባ፣ ምስ ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ ዝተነብረ እገዳ ክልዓለ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ዘለዎ እምነት ገሊጹ ኣሎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0