ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ 3 ቢልዮን ዶላር ከተውፍር’ያ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ 3 ቢልዮን ዶላር ከተውፍር’ያ

Radio Erena: 18 June 2018

UAE Ethiopia

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝን ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምሕዋዩን፣ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከተውፍር ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ዝተገልጸ፣ ወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን’ዩ።

እቲ ወራስ ዓራት፣ ብዓርቢ 15 ሰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኣተወሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ድሙቕ ኣቐባብላ ጌሮምሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ልሙድ ፕሮቶኮል ወጻኢ ብዝኾነ መንገዲ፣ ባዕሉ ብዝመርሓ መኪና ነቲ ወራስ ዓራት ኣሰንዩ ናብ ቤት መንግስቲ ከምዘምርሐን ብባህላዊ ኣቐባብላ ኣጋይሽ ከምዘእንገዶን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመሓላለፈ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ እቲ ሓደ ቢልዮን ዶላር ብቀጥታ ናብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ክሰጋገር እንከሎ፣ እቲ 2 ቢልዮን ዶላር ከኣ ኣብ ዝተፈላለወ ጽላታት ወፍሪ ክካየደሉ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0