ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ሶማል በጺሑ

ቀ/ ሚ ኢትዮጵያ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ናብ ሶማል በጺሑ

Radio Erena: 18 June 2018

Ethio Somali

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዑደቱ ብምቕጻል ኣብ ሶማል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ናብ ሶማል ምብጻሕ ዘካየደ ድሕሪ’ቲ ምስ ወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ምይይጥ’ዩ።

ንሱ ብቀዳም 16 ሰነ ናብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓዱላሂ ፋርማጆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ናይ ኣቐባብላ ስነ ስርዓት ኣካይድሉ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዘካይድኦ ዘለዋ ወፍሪ ብሰፊሑ ተመያይጦም።

መንግስቲ ሶማል፣ ነቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብምሽራኽ፣ ንወደብ በርበራ ከመሓድርኦ ምስምምዐን ልኣላውነትን ሓድነትን ሶማል ዝጥሕስ’ዩ ክብል ከምዝተቓወሞ ዝይከር።

ብዘይካ’ዚ እቲ መንግስቲ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ምትፍናን ድሕሪ ምእታው፣ ዝምድንኡ ምስታ ዓረባዊት ሃገር ደስኪሉ ይርከብ።

ወራስ ዓራት እታ ዓረባዊት ሃገር ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ሓደ ካብ ዝዘተየሉ ኣርእስታት ጉዳይ ሶማልን ኣጠቓቕማ ወደባትን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ብዘይካ’ዚ ኣብ ጉዳያት ወደብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ኣብ ሓባራዊ ጸጥታ ዶብን፣ ተልእኾ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕቓብ ሰላም ሶማልን ብዝምልከት’ውን ከምዝተዘራረቡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሶማል ሓቢረን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0