ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዕደና ንምውፋር ትውጥን

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ዕደና ንምውፋር ትውጥን

Radio Erena: 14 August 2018

sudan gold mineሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ናይ ዕደና ወፍሪ ንምክያድ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎታት ዘትያ።

ሚኒስተር ማዕድን ሱዳን መሓመድ ኣሕመድ ዓሊ ኢብራሂምን ኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ሱዳን ሓማድ መሓመድ ሑመድ ኣል ጁናይቢን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝገበርዎ ርክብ’ዮም ፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ወፍሪ ዕደና ዝተመያየጡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ወፍሪ ወደባትን ዕደናን ብዝልዓለ ንምውሳእ ትሰርሕ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

እታ ሃገር ኣብ ወደባት ሶማል፣ ጅቡቲ፣ ኤርትራን ሱዳንን ወፍሪ ንምክያድ ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክትወስድ እንከላ፣ ጎኒ ጎኑ’ውን ኣብ ዕደና’ን ካልእ ጽላታትን ተተኩር ከምዘላ ይግለጽ።

 

====================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0