ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ፈላሚ ምብጻሕ ኣካይዱ

ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማል ፈላሚ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 14 August 2018

eri and somaliaኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ሶማል በጺሑ።

እቲ ልኡኽ፣ ናይ ሶማል ፈላሚ ዑደቱ ንምክያድ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰን ዓሊ ኻይረ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢልዎ።

ኣብ ሶማል ኣብ ዝጸንሓሉ ብዛዕባ ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ምኽፋት ኤምባሲ ክልትኤን ሃገራትን ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብ15 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ታሪኻውን ፈላምን ዑደት ምክያዱ ይዝከር።

ፕረዚደንት ሶማል ኣብቲ ናይ ኤርትራ ዑደቱ፣ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ ክልዓል ጸዊዑ’ዩ።

ሶማል ብሃንደበት ከምዚ ዓይነት መርገጺ ምሓዛ ንጅቡቲ ኣቖጢዑዋ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውን ምንጭታት ይገልጹ።

=================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0