ሓደ ካብ ግኑናት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ንዝኽሪ መበል 90 ዓመት ልደቱ 5 ሚልዮን ዶላር ዝወደአ ሓወልቲ ከቕውም’ዩ

ሓደ ካብ ግኑናት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ንዝኽሪ መበል 90 ዓመት ልደቱ 5 ሚልዮን ዶላር ዝወደአ ሓወልቲ ከቕውም’ዩ

Radio Erena: March 28, 2014

Mugabe sleeps

ክሳብ ብሞት ዝፍለ መራሒ ሃገር ኮይኑ ክጸንሕ ምዃኑ ደጋጊሙ ዝገልጽ ዘሎ ወዲ 90 ዓመት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ፣ ንዝኽሪ መበል 90 ዓመቱ 5 ሚልዮን ዶላር ባጀት ዝተሰልዓሉ ክልተ ዓበይቲ ሓወልታቱ ይህነጽ ከምዘሎ ምዕከናት ዜና ኣቃሊዐን።

ፕረዚደንት ሙጋበ፣ መበል 90 ዓመት ልደቱ ኣሽሓት ደገፍቱ ብምዕዳም ኣብ ስታድዮም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝወደኣ ጽምብል ከምዘካየደ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዕለተ ልደት ናይቲ ሓደ ካብ ግኑናት ውልቀ መለኽቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነ ሮበርት ሙጋበ፣ ንደገፍቲ ኣዝዩ ብዙሕ ምቁርሕብስትን ኣሎክላዊ መስተታትን ከዳሉ እንከሎ፣ እታ ሃገር ድማ ገና ካብ ዝባና ዘይተላዕሊ ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ኣለዋ።

 

ሙጋበ ኣብ ዘካየዶ ስማዊ ምርጫ ዳግም ተዓዊቱ ክሳብ 94 ዓመት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ምዃኑን ድሕሪ’ውን ተወዳዲሩ እናተዓወተ ክሳብ ብህይወት ዘሎ ነታ ሃገር ክመርሕ ምዃኑን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ደጋጊሙ ይገልጽ።

እታ ሓደ እዋን ሞሶብ ኣፍሪቃ እትብሃል ዝነበረ ዚምባብዌ፣ ኣብዚ ናይ ልዕሊ 30 ዓመት ዘመነ ስልጣን ሮበርት ሙጋበ ሓንቲቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታታ’ውን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ከምእተሰዱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ዚምባብዌ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ቁጠባዊ ውድቀት ተሸሚማ እንሃለወት፣ 90 ዓመት ዝዕድሚኡ መራሒ እታ ሃገር ድማ 5 ሚልዮን ዶላር ዝውድእ ገዘፍቲ ሓወልታቱ ኣብ ማእከል ርእሰ ከተማ ሃራረ ንምቛም ይሰርሕ ምህላዉ ካብ ሓያሎ ዜጋታት እታ ሃገር ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ።

ነቲ ክልተ ዓበይቲ ናይ ሙጋበ ሓወልታት ንምህናጽ ኩንትራት ፈሪማ ዘላ ሃገር ድማ ሰሜን ኮርያ’ያ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0