ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስተን ቀዳሞት 10 ተሰሪዑ

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ምስተን ቀዳሞት 10 ተሰሪዑ

Radio Erena: March 28, 2014

Eritreans in EU

ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሻብዓይ ደረጃ ከምዝተሰርዐ፣ ንጸብጻብ ሕብረት ኤውሮጳ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ሕብረት ብሰኑይ 24 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2013 ኣባላት እቲ ሕብረት ኣብ ዝኾና 28 ሃገራት 434160 ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብምጥቃስ፣ እቶም ዝበዝሑ ሓተቲ ዑቕባ ድማ ሶርያውያን ምንባሮም ኣፍሊጡ።

ልዕሊ 50 ሽሕ በጺሑ ዘሎ ብዝሒ ሶርያውያን ሓቲቱ ዑቕባ ብ 12 ሚእታዊት ቀዳማይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ብዝሒ ሩስያውያን ሓተቲ ዑቕባ ኮይኑ 41 ሽሕ ይበጽሕ። ብ26 ሽሕ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ድማ ኣፍጋኒስታን’ያ።

 

ነዘን ሰለስተ ሃገራት ተኸቲተልን ዜጋታተን ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብብዝሒ ዑቕባ ካብ ዝሓቱ ዘለዉ ሃገራት ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ዘሎ ደረጃ ብቅደም-ተኸተል እንተርኢና’ዩ ድማ ድማ ሰርብያ፣ ፓኪስታን፣ ኮሶቮ፣ ሶማልያ፣ ኤርትራ፣ ኢራን፣ ናይጀርያን ዒራቕን ተሰሪዐን ንረኽበን።

እዚ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ናይ 2012 ዓመት ምሕረት ክወዳደር እንከሎ ብ30 ሚእታዊት ከምዝዛየደ’ውን ጸብጻብ እቲ ሕብረት የመልክት።

ጠንቒ’ዚ ድማ ኣብ ሶርያ ዝካይድ ዘሎ ግጭትን ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ኤውሮጳ ኣስሚረናሉ።

እዚ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ተገማጊሙ ዘሎ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ድሕሪ 1993 እቲ ዝበዝሐ ተባሂሉ ተምዝጊቡ ኣሎ።

70 ሚታዊት ናቶም ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ፣ ኣብ ጀርመን፣ ፈረንሳ፣ ሽወደን፣ ብሪጣንያን ኢጣልያን’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ከቢድ ብድሆ ኮይኑዋ ዘሎ ኢጣልያ፣ ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ 13 ቆልዑን 8 ደቂንስትዮን ዝርከብኦም 128 ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ሶርያን ግብጽን ዝጸዓነት ጃልባ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነት ኣፍሊጣ።
=====================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0