ሓደ ካብ እሙናት ዓጀብቲ ንጉስ ሳልማን ተቐቲሉ

Radio Erena: 01 October 2019

ሓደ ካብ እሙናት ዓጀብቲ ንጉስ ሳልማን፣ ምዃኑ ዝተገልጸ ሜጀር ጀነራል ዓብደልዓዚል ኣል ፋግሃም ተቐቲሉ።

ኣቐታትላ እቲ ሓደ ካብ ፍሉያት ኣባላት ሓለዋ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣካታዒ ኮይኑ ኣሎ።

ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፈቶ ዜና፣ እቲ ጀነራል ኣብ ውልቃዊ ባእሲ ከምዝተቐትለ ካብ ምግላጽ ሓሊፋ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበትን።

እንተኾነ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዓለም፣ እቲ ቅትለት፣ ምስ ወዱ ንንጉስ ሳልማን፣ ወራሲ ዓራት፣ መሓመድ ቢን ሳልማን የተሓሕዞ ኣለዋ።

ድሕሪ ኣቡኡ ስልጣን ክርከብ ኣብ መስርሕ ዘሎ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ጸለውቲ’ዮም ንዝበሎም ስዑዳውያን ሰብ ሃብቲ፣ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ምህዳን ፍሉይ ስርሒታት የካይድ ከምዘሎ’ዩ ዝውቀስ።

ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝተቐትለ፣ ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ቓሾጊ፣ ኢድ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን ከምዘለዎ’ዩ ዝጥርጠር።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    ቀጽልዎ ኣጆኩም ኤረናውያን