ሃ/ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ዓወታታ ይቕጽል

Radio Erena: 29 September 2019

ንጅቡቲ 7 ብ 0 ስዒራ፣ ዝበዝሐ ሸቶ ብምምዝጋብ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ዝሓዘት፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፣ ንዛንዚባር 5 ብ 0 ብምስዓር ተዓዊታ።

ኣቐዲማ ምስ ኡጋንዳ 1 ብ 1 ከምኡ ድማ ምስ ሱዳን 3 ብ 3 ዝተፈላለየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ንጅቡቲ 7 ብ 0 ብምድሃኽ’ያ፣ ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ኮይና ብምሕላፍ፣ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ሎሚ ሰንበት 29 መስከረም ምስ ዛንዚባር ተራኺባ።

ኣብዚ ኣብ ኡጋንዳ ዝካየድ ዘሎ ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣንጻር ጅቡቲ ዘመዝገበቶ 7 ብ 0 ብዝሒ ሸቶ፣ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ እቲ ዝበዝሐ’ዩ።

ኣቐዲሙ፣ ሃገራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 15 ዓመት፣ ብ20 ነሓሰ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ፣ ምስ ሱዳን ኣብ ዘካየደቶ ናይ መጻረዩ ግጥማት ሴካፋ፣ 6 ብ 0 ብምዕዋታ፣ ዝበዝሐ ዝተመዝገበ ሸቶ ተባሂሉ ሃገራዊ ክብረ ወሰን ሒዙ’ዩ ጸኒሑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0