ወዱ ንፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ኢኳቶርያል ጊኒ ዝውንነን 25 መጋየጺ መካይን ብጨረታ ብ34 ሚልዮን ዶላር ተሸይጠን

Radio Erena: 01 October 2019

ወዱ ንፕረዚደንት እኳቶርያል ጊኒን፣ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገርን፣ ቲዮዶር ኦቢያንግ ማንግ ዝውንነን 25 ናይ መጌጺ መካይን፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ብጨረታ ተሸይጠን።

ወዲ ፕረዚደንትን ምክልት ኣቡኡን ዝኾነ ቲዮዶር ኦብያንግ፣ ከም ፌራሪ፣ ላምፖርጊኒን ካልእ ዝኣመሰላ ዘመናውያንን ናይ መጋየጺን መካይን፣ ብጨረታ ክሽየጣ፣ ኣኽባር ሕጊ ስዊዝርላንድ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ብብልሸና ዝተጠርየ ገንዘብ እታ ሃገር ክምልስ ብዘይምኽኣሉ’ዩ።

ዋጋ እተን ብጨረታ ዝተሸጣ መካይን 34.9 ሚልዮን ዶላር’ዩ በጺሑ።

እቲ ገንዘብ፣ ኣብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር፣ ኣብ ናይ ግብረ ሰናይ መደባት ክውዕል ምዃኑ ኣፈኛ ናይቲ ናይ ጨረታ ትካል ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ቲዮዶር ኦብያንግ ንግዌማ፣ ካብ 1979 ኣትሒዙ፣ ን40 ዓመታት ንኢኳቶርያል ጊኒ ዝመርሐ ኮይኑ፣ ቦኽሪ ወዱ ቲዮዶር ኢብያንግ ማንግ ድማ ንመጻእ ስልጣን ክርከብ ከም ምክትል ፕረዚደንት ኣቡኡ ኮይኑ’ዩ ተሸይሙ።

ይኹን’ምበር ኣቦን ወደን ናይዛ ነዳዲ ካብ ዘፍርያ ሃገራት ዝኾነት ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ብብልሽውና፣ ምጥፍፋእን ዝርገት ሃብቲ ሃገርን’ዮም ዝኽሰሱ።

ቲዮዶር ኦብያንግ ንግዌማ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ካብ ዘለዉ መራሕቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ዩ ዝስራዕ።

ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፣ ኣብ ስልጣን ን44 ዓመታት ዝጸንሐ ፕረዚደንት ካሜሮም ፖል ቢያ ክኸውን እንከሎ፣ ፕረዚደንት ኮንጎ ብራዛቪል፣ ዴኒ ሳሱ ንጌሶ፣ ን35 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብጽንሑ ሳልሳይ ይስራዕ።

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ብ33 ዓመታት ራብዓይ፣ ፕረዚድንት ቻድ ኢድሪስ ደቢ ብ29 ዓመታት ሓሙሻይ፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ድማ ብ28 ዓመታት ሻድሻይ ተሰሪዖም ኣለዉ።

እዞም መራሕቲ፣ ኣብ ስልታን ነዊሕ ዓመታት ብምጽንሖም ጥራይ ዘይኮነ፣ ስልጣኖም ናብ ደቆም ንምስግጋር መደብ ከምዘለዎም’ውን ብዝተፈላለዩ ወገናት ይዝርበ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0