ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን 124 ስደተኛታትት ካብ ናይ ናይ ምስግጋርን ምሻጥን መስርሕ ከምዘድሓኑ ተገሊጹ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን 124 ስደተኛታትት ካብ ናይ ናይ ምስግጋርን ምሻጥን መስርሕ ከምዘድሓኑ ተገሊጹ

Radio Erena: January 8, 2014

 

Eri Kassሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ከተማ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ስርሒት፣ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 100 ሰባት ካብ ናይ ምስግጋርን ምሻጥን መስርሕ ከምዘድሓኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣመልኪቶም።

መብዛሕቶም እቶም ካብ መሸጣን ምስግጋርን ድሒኖም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ብኤርትራውያን ደላሎን ኣሰጋገርትን ናብ ሲናይን ሰሃራን ንዝርከቡ ዕጡቓት ንምሻጦም ኣብ ንኣሽቱ ገዛውቲ ተታሒዞም ዝጸንሑ ምዃኖም’ዩ ተገሊጹ።

ሱዳን ቪዥን ንምንጭታት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ብምጥቃስ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ተመሳሳሊ ጸብጻብ’ውን 35 ቆልዑ ዝርከብዎም 124 ዜጋታት ወጻኢ ሃገራት ካብ ዘይሕጋውይ ምስግጋርን ምሻትን ማለት Human Trafficking ከምዘድሓነ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና፣ እቶም ካብ ምስግጋርን መሸጣን ድሕኖም ዘለዉ 124 ሰባት ኣብ ካርቱም፣ ኡምዱርማንን ሰሓፋን ኣብ ዝርከብ ንኣሽቱ ገዛውቲ ተጨውዮም ከምዝጸንሑ ኣፍሊጡ።

 

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ከካይድዎ ድሕሪ ዝጸንሑ ምክትታልን መጽናዕትን፣ እቲ፣ ኣብታ ሃገር ተዘርጊሑ ዝጸንሐ መርበብ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ደላሎን ድሕሪ ምስባር’ዮም ነቶም ተጨዮም ዝጸንሑ ቆልዑ ዝርከብዎም ስደተኛታት ከድሕኑ ዝኸኣሉ።

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት፣ ኣብታ ኣውራ መስርሕ ምስግጋርን መሸጣንን ዝፍልመላ ከሰላ ጥራይ 13 ስርሒታት ብምክያድ ሓያሎ መርበብ ደላሎን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ከምዘፍሸሉ’ውን ሱዳን ቪዥን ጠቒሳ ኣላ።

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ሱዳን ምስተን እዚ ኩነታት ዝጸልወንን ዝምልከተን ንሃገራት ብምትሕብባር ክሰርሕ ጀሚሩ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊትን ጸጥታን ናይዘን እዚ ኩነታት ዝምልከተን ሃገራት ብብልሽውናን ዝተበረዘኡ ብምዃኖ ኣብዚ ናይ ምስግጋርን ምሻጥን ደቂን ሰብ ኢድ ከምዘለዎም’ዮም ዝውቐሱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት፣ ካብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብፍላይ ድማ ካብ መዓስከራት ሸገረብ ስደተኛታት ብምጭዋይ ናብ ሲናይን ሰሃራ ሊብያን እናተሸጡ፣ ግዳያት እዚ መስርሕ ዝኾኑ ኣስታት 30 ስሕ ሰባት ከምዝነበሩ ጸብጻባት የመልክቱ።

መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ቆልዑን ደቂንስትዮን እቶም ቀንዲ ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።
===========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0