ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ናብ ሽወደን ከምዝተጣየሱ መንግስቲ ‘ታ ሃገር ገሊጹ

Radio Erena: January 9, 2014

 

ኣብ እስራኤል ዝጸንሑ 10ታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሽወደን ከምዝተጣየሱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይገልጻ ኣለዋ።

ዮርሳሌም ፖስት ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረተ፣ እቶም ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ናብ ሽወደን ግዒዞም ዘለዉ 10ታት ኤርትራውያን፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ሽወደንን ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተበጽሐ ስምምዕ’ዩ።

 

ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ንሳልስቲ ዝቐጸለ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ድሕሪ ምክያዶም፣ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኩነታት ንምትህድዳእ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ምዃኑ’ውን ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

እንተኾነ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል፣ እዚ ሓበሬታ ምዝርግሑ ምስዚ ክካየድ ዝቐነየ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ምትሕሓዝ ከምዘይብሉ ይጠቕስ።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 35 ሽሕ ኤርትራውያን እኳ እንተለዉ፣ እቶም ናብ ሽወደን ተጣይሶም ዝብሃሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ግና ኣብ ሲናይን ኣብያተ ማእሰርቲ እስራኤልን ክሳቐዩ ዝጸንሑ 10ታት ጥራይ’ዮም።

ብመሰረት ጸብጻብ ዮርሳሌም ፖስት ድማ እቶም ናብ ሽወደን ተጣይሶም ዘለዉ ኤርትራውያን 54 ካብኣቶም ደቂንስትዮ’የን።

ኣብ 2013 ብወለንትኦም ካብ እስራኤል ዝወጹ ዜጋታት ኤርትራ 461 ክኾኑ እንከለዉ፣ ነናብቲ ዝተፋነውዎ ዓዲ ኣብ ዝተበገስሉ ንነፍሲ ወከፎም 3 500 ዶላር ከምዝሃቦም’ውን መንግስቲ እስራኤል የመልክት።

ዝበዝሑ ካብቶም ብወለንትኦም ካብ እስራኤል ዝወጹ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ክምለሱ እንከለዉ፣ ሓያሎ’ውን ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኣለዉ።

ኣብ እስራኤል ካብ ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባ፣ ዛጊት ንኤርራውያን ስደተኛታት ተቐቢላ ናይ ምጥያስ መስርሕ ዝጀመረት እንኮ ሃገር ሽወደን’ያ።
==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Eze 3500 us d tebeilewoo zeilkoum kulu sabe aykonien wasedewo eimo aregagiskoum sehafou erena