ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ መሊሱ

ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ መሊሱ

Radio Erena: January 8, 2014

 

Aus Eri

ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 45 ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጸዓነት ጃልባ ናብ ኢንዶነዥያ ከምዝመለሰ ማዕከናት ዜና እቲ ዞባ ኣቃሊሐን።

መንግስቲ ኣውስትራልያ፣ ብባሕሪ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዝኾነ ስደተኛታት ናብቲ ዝመጸሉ ክመልስ ምዃኑ ድሕሪ ዘሕለፎ ሓድሽ ውሳነ፣ ነዞም 45 ስደተኛታት ክመልሶም ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢንዶነዥያ ማርቲ ናታለጋዋ፣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣውስትራልያ ፖሊስ ብምቅዋም፣ ዘይፍትሓዊ’ዩ ክብል ክነቕፎ እንከሎ፣ መንግስቲ ኣውስራልያ ግና ብዛዕባ እቲ ፖሊስ ይኹን ብዛዕባ ምምላስ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

 

እቶም ዜጋታት ኤርትራ፣ ሶማልን ሱዳንን ዝርከብዎም 45 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ኣውስትራልያ ባይሊ ባሕሪ እታ ሃገር እናተዓጀቡ ናብ ሓንቲ ናይ ኢንዶነዥያ ደሴት ድሕሪ ምምላሶም፣ ሕጂ ዘለውዎ ኩነታት ኣይተገልጸን።

እንተኾነ እታ ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብሓንቲ ወትሃደራዊት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ ተዓጊታ ደው ድሕሪ ምባላ፣ እቶም ስደተኛታት ንኸይጥሕሉ መንሳፈፊ ጃኬት ከምዝተዓደሎም ንምንጭታት ሓይሊ ባሕሪ ኣውስትራልያ ብምጥቃስ ሲድኒ ሄርላድ ሞርኒንግ ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ኣስታት 50 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኢንዶነዥያ እናተበገሱ ናብ ኣውስትራልይ ንምእታው ከምዝሓለኑን ኣስታት ሓደ ስሕ ድማ ኣብ ውቅያኖስ ጥሒሎም ከምዝሞቱን ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክት።

ካብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ኣትሒዙ ድማ፣ ሓያሎ ሃገራት ኣቛሪጾም ብደላሉ ናብ ኢንዶነዥያ ዝበጽሑ ኤርትራውያን ነቲ ነቲ ህንዳዊ ውቅያኖስ ብምቑራጽ ናብ ኣውስትርልያ ንምእታው ዝካየድ ጉዕዞ ክጽንበርዎ ይርኣዩ ኣለው።

=======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0