ሓይልታት ኦነግ ሸነን ዕጡቓት ጋምቤላን፣ ንዋና ከተማ ናይቲ ክልል ንምቑጽጻር መጥቃዕቲ ምክያዶም ተገሊጹ

Radio Erena: 16 June 2022

ስእሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዕጡቓት ጋምቤላን፣ ንርእሰ ከተማ ናይቲ ክልል ንምቑጽጻር መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ክልል ጋምቤላ፣ ንጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ እቶም ዕጡቓት፣ ናብ ሰሉስ 14 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ፣ ሓይልታት መንግስቲ ብዘካየድዎ ዝተወሃሃደ ናይ ምክልኻል ስግምቲ፣ ከተማ ጋምቤላ ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ካብ ምውዳቕ ከምዝደሓነት፣ ሓላፊ ፕረስ ናይቲ ክልል፣ ኡጌቱ ኦዲንግ ብምጥቃስ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ከተማ ጋምቤላ ንምቑጽጻር ኣብ ዝተኻየደ፣ ነዊሕ ሰዓታት ዝውሰደ ውግእ ሓያሎ ሰባት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ዝተፈላለዩ ወገናት፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይጠቕሱ።

ሓላፊ ፕረስ ክልል ጋምቤላ ብወገኑ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝወረደ እኳ እንተተኣመነ፣ ብዝሑ ምስ ተጻረየ ክግለጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ”ዚ ኣብ ክልል ጋምቤላ ከምዝተወልዐ ዝተገልጸ ውግእ ይኹን ኣብ ሰብን ንብረትን ዘብጽሖ ጉድኣት ብዝምልከት መግለጺ ኣይሃበን።

ክልል ጋምቤላ፣ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ኮይኑ ዝሰፍሐ ክፋሉ ምስ ደቡብ ሱዳን ይዳወብ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0