ሓይልታት ትግራይ፣ ብመንጎኝነት ኬንያ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክንሳተፍ ድሉዋት ኢና ኢሎም

Radio Erena: 16 June 2022

ሓይልታት ትግራይ፣ ብመንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝውደብ ዘሎ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስታፍ ድሉዋት ምህላዎም ኣፍሊጦም።

እቶም ሓይልትታ ነዚ ዘፍለጡ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ፣ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፣ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ኬንያን ኣብ ዝልኣኾ፣ ወግዓዊ ደብዳቤ’ዩ።

ንሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ናብ ዝርርብ ንምቅርራቦም፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተመዘዘ ፍሉይ ልኡኽ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ተደናግዩ እኳ እንተሎ፣ ብዘተኣማምን መልክዑ ኣብዚ ቀረባ ክካየድ ተስፋ ምህላዉ ኣተንቢሁ ኔሩ።

ጋዜጣ ለ ሞንድ ብወገና፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝካየድ ዝርርብ ክሳተፉ ምዃኖም ጠቒሳ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብ14 ሰነ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ ክሳብ ሕጂ ዝተጀመረ ዝርርብ ከምዘየለ እኳ እንተገለጸ፣ ሰላም ንምርግጋጽ ዝሕግዝን ንርክብ ዘገድሱን ጉዳያት እተጽንዕ ኮሚተ ቆይማ ከምዘላ ኣይከሓደን።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፣ ነቲ ዘተ ንሰላም ዝዓለመ ርክብ ክካየድ ‘ዩ ዝብል ሓበሬታ እኳ እንተዘይክሓድዎ፣ ሓደ ካብቲ ንዝርርብ ዝዓደመ ኣውራ ምኽንያታት፣ ሕቶ ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ጉዳይ ወልቃይት ከይልዓል ስለዝተሰማምዐ’ዩ ንዝብል ግና ሓሶት’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ።

እቶም ሓይልታት፣ ኣብ ዘተ ሰለም ይኹን ዝካየድ ዝርርባት፣ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ዝበልዎ ሓሙሽተ ነጥብታት፣- ረፈረንዱም ህዝቢ ትግራይ፣ ሉኣላውነት ግዝኣት ትግራይ፣ ህላወ ሰራዊት ትግራይ፣ ብገበናት ምጽናት ዓሌት ዝኽሰሱ ናብ ፍርዲ ምቕራብን፣ ጉዳይ ካሕሳን ብመንገዲ ማዕከናት ዜናኦም ገሊጾም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0