ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ዝተወጠነ ቀዳማይ ዙርያ በረራ ተሰሪዙ

Radio Erena: 16 June 2022

ሓተቲ ዑቕባ፣ ካብ ብሪጣንያ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር፣ ብሰሉስ 14 ሰነ ክካየድ ዝተወጠነ በረራ፣ ብምትእትታዉ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ተሰሪዙ።

ካብ 10 ዘይሓልፉ ሓተቲ ዑቕባ፣ ናብ ርዋንዳ ንምስግጋር ምድላዋት ተጻፊፉ እኳ እንተነበረ፣ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ቤት ፍርዲ ናብ ናይ ብሪጣንያ ቤት ፍርዲ ብዘቕረቦ ህጹጽ ጻውዒት፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ኣይከኣለን።

ሚኒስተር ዘቤታዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተል፣ ቤት ፍርዲ ነቲ በረራ ምስራዙ ከምዘየሐጎሳ ብምጥቃስ፣ ካልእ በረራ ንምክያድ ቅድመ ምድላዋት ምጅማሩ ኣፍሊጣ።

መርበባት ዜና ኤውሮጳ ብዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ብኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ፓውድን፣ ፍሉይ በረራ ዝተሰርዓላ፣ ቦይንግ ዝዓይነታ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት፣ ሓተቲ ዑቕባ ጽዒና፣ ኣብ ዊልሻየር ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ንምብጋስ ድልውቲ ኔራ።

ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፣ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፣ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይሰጋገር ብዝሃቦ ውሳኔ፣ ምስ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ርሱን ክትዕ ስለዝኣተወ፣ እቲ በረራ ተሰሪዙ፣ ብምሉኦም ሓተቲ ዑቕባ ካብታ ነፋሪት ወሪዶም፣ ናብ ዝነበርዎ ተመሊሶም።

ብሪጣንያ፣ ‘ዋሕዚ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ ይሕግዝ’ዩ’ ንዝበለቶ ስጉምቲ፣ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ርዋንዳ ከተሰጋግሮም ዝሓበረቶም ሓተቲ ዑቕባ 37 ‘ዮም ኔሮም።

እንተኾነ፣ ተጣበቕቲ ብዘቕረብዎ ናይ ይግባይን ካልእ ሕጋዊ መስርሓትን፣ እቲ ቁጽሪ ናብ ኣስታት 10 ወሪዱ።

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ኣስታት 3500 ሓተቲ ዑቕባ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ምእታዎም ጸብጻብ መንግስቲ የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0