ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩዋ ኣብ ዝሕብሩሉ ዘለዉ እዋን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ‘ሓቅነት የብሉን’ ይብል

Radio Erena: 31 October 2021

ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ደሴ ከምዝተቖጻጸሩዋ ኣብ ዝሕብሩሉ ዘለዉ እዋን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ‘ሓቅነት የብሉን’ ክብል ገሊጹ።
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ካብ ዓርቢ ዕለት 29 ለይቲ ሰዓት 2 ጀሚሩ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ካብ ከተማ ደሴ ክወጽእ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።
ወሃብ ቃል ሓይልታት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ንከተማ ደሴ ምሉእ ብምሉእ ድሕሪ ምቁጽጻር፣ ናብ ኮምቦልቻ ይምርሹ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ወሃብ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ብወገኑ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሓይልታት ትግራይ ዝመሃዙዎ ሓሶት እዩ ብምባል፣ ከተማ ደሴ ገና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፈደራላዊ መንግስቲ ኣላ፣ ኢሉ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኤለክትሪሲቲን ምስ ምቁራጹ፣ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ዘሎ ዜና፣ ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ።
ኣብቲ ኲናት፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጹ ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተማረኹ፣ ሓይልታት ትግራይ ይገልጹ።
ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንህዝቢ ዝንቡዕ ሓበሬታ ሂብክን ብምባል ናይ ዝዓጽወን ዘሎ ማዕከናት ዜና ቁጽሪ እንዳዛየደ ይመጽእ ኣሎ።
በዓል ስልጣን ኣገልግሎት ሜድያ ብዓርቢ 29 ጥቅምቲ፣ ኣሃዱ ንዝተባህለት ናይ ሳተላይት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ወሃቢት ኣገልግሎት፣ ካብ ወጻኢ’ታ ሃገር ንዝተረኽበ ሓበሬታ ከይትፍኑ መጠንቀቕታ ኣቕሪቡላ።
ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዘመሓላልፎኦ ዘለዋ መደባት ከየመሓላልፋ ናይ ዝኽልከላ ዘለዋ ኢትዮጵያውያን ትካላት ሜድያ ኣብዛ ዓመት’ዚኣ ጥራይ ብዝተዓጻጸፈ ክውስኽ እንከሎ፣ ብዉሑዱ 20 ጋዜጠኛታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ፣ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ የመልክት።

COMMENTS

WORDPRESS: 0