ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ኣል-ቡርሃን፣ ንዘቑሞ ሓድሽ መንግስቲ ክመርሓሉ ንዓብደላ ሓምዶክ ጻውዒት ኣቕሪቡ

Radio Erena: 31 October 2021
ኣብ ሱዳን ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን፣ ንዘቑሞ ሓድሽ መንግስቲ ክመርሓሉ ንዓብደላ ሓምዶክ ጻውዒት ከምዘቕረበሉ ኣፍሊጡ።
ኣል-ቡርሃን ምስ ደገፍቱ ኣብ ዘካዪዶ ዝነበረ ኣኼባ ኣብ ዘስመዖ ቃል፣ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት መደብ ከምዘለዎ፣ ቀዳማይ ምርጭኡ ከኣ ዓብደላ ሓምዶክ ምዃኑ ገሊጹ። ኣልቡርሃን መራሒ ምልሻ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ዝርከቦም ካብ 18 ግዝኣታት ዝተዋጽኡ ሰበስልጣናት ስቱር ርክባት የካይድ ከምዘሎ ይግለጽ።
ብካልእ ወገን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሱዳን ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋም፣ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ተቓውሞኡ የስምዕ ኣሎ።
ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሱዳን ብዝረአ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢን፣ ዘስመዖ ዘሎ ናይ እምቢታ ቃልን ንሓያሎ ሰበስልጣን’ቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣሻቒሉዎም ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ። ኣልጀዚራ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ምሉእ ወተሃደራዊ ዕጥቂ ዝዓጠቑ ሰራዊትን ሓይልታት ምልሻን ብከበድቲ ኣጽዋር ዝጸዓና መካዪን ተሰንዮም ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ቁጽሪ ብወተሃደራት ናይ ዝተቐትሉ ሰልፈኛታት ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት ናብ ኣርባዕተ ክብ ኢሉ ኣሎ።
ሰልፈኛታት ዘስምዕዎ ዘለዉ ጭርሖታት፣ ነቲ ብሓይሊ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ዝቃወም ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ግዚያዊ ሲቪላዊ ምምሕዳር ናብ ስልጣን ክምለስ ንምጽዋዕ’ውን እዩ። ኣብ ሓያሎ ከተማታት’ታ ሃገር ኩሉ ዓይነት መራኸቢታት ደው ኢሉ ኣሎ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሃገራት ምዕራብ ንሱዳን ዝተኣትወ መብጸዓታት ለቓሕ፣ ፋይናንስያዊ ሓገዝን፣ ረዲኤን ኩሉ ደስኪሉ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0