ሓይልታት ትግራይ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋሊኮማ (ዓፋር) ንዝተኻየደ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ብዝምልከት ንዘውጸኦ መግለጺ ተቓዊሞም

Radio Erena: 16 August 2021
ሓይልታት ትግራይ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋሊኮማ (ዓፋር) ንዝተኻየደ ህልቂት ሰላማውያን ሰባት ብዝምልከት ንዘውጸኦ መግለጺ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።
ካብ ቤት ጽሕፈት ዩኒሴፍ ሄንሪየታ ፎር፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጸኣቶ መግለጺ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ጋሊኮማ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተኹሲ ብምኽፋት ልዕሊ 200 ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም ሰባት ቀቲሎም ክትብል ገሊጻ።
እዚ ብዩኒሴፍ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ነቲ ስምናን መንነትናን ንኸጥፍእ ዝሰርሕ ዘሎ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ዓቢ ሓገዝ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ውን እዩ ክብሉ’ዮም ሓይልታት ትግራይ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዘለዉ።
ንሓይልታት ትግራይ ምስ ህዝቢ ንምብኣስ ብፈደራላዊ መንግስቲ ንዝንዛሕ ጸለመታት፣ ዩኒሴፍ መርመራ ከየካየደ ተቐቢሉ ምቅልሑ፣ መግለጺ ክህበሉ ንጽውዕ ክብል ህወሓት ተቓውሞኡ ይገልጽ።
ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂትን ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ክልቲኦም ወገናት ሓድሕድ ክወቓቐሱ ይረኣዩ።
ብዕለት 5 ነሓሰ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዓፈር ተኹሲ ብምኽፋቱ ካብ ሞይቶም ዝበሃሉ ዘለዉ ከባቢ 200 ሰባት፣ ልዕሊ 100 ህጻናት ከምዝርከብዎም፣ ዩኒሴፍ ይገልጽ።
ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ልሒሙ ብምህላዉ፣ ቁጽሪ ካብ ቤት ንብረቱ ናይ ዝተመዛበለ ሰላማዊ ህዝቢ ብ100 ሽሕ ወሲኹ ይርከብ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0