ሓይልታት ባሕሪ ጅቡትን ሶማሊላንድ ብሰንኪ ምግፋፍ ዓሳ ተታዅሶም

ሓይልታት ባሕሪ ጅቡትን ሶማሊላንድ ብሰንኪ ምግፋፍ ዓሳ ተታዅሶም

Radio Erena: 17 March 2016

dji som

ኣብ ክሊ ማያት ወሽመጥ ዓደን ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሓይልታት ባሕሪ ጅቡትን ሶማሊላንድን ከምዝተታኾሱ ምንጭታት ዜና ካብ ሃርጌሳ ገሊጾም።

ኣብቲ ንጅቡትን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኣብ ዘዋስን ማያዊ ክሊ ህንዳዊ ውቅያኖስ፣ ብሰንኪ ምግፋፍ ዓሳ ዝተኻየደ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ሓደ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ሶማሊላንድ ከምዝተቐትለን ክልተ ከኣ ከምዝቖሰሉን መርበብ ሓበሬታ ማሬግ ጠቒሱ።

ሓይሊ ባሕሪ ጅቡቲ፣ ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊረን ዝነበራ ኣርባዕተ ጀላቡ ደው ከብልወን ኣብ ዝፈተንሉ እዋን’ዩ እቲ ናይ ተዅሲ ምልውዋጥ ተኻይዱ።

 

ዋንነት እተን ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊረን ዝነበራ ኣርባዕተ ጃላቡ ክንጸር እኳ እንተዘይክኣለ፣ ደው ንምባለን ብጅቡቲ ኣብ ዝተወስደ ስጉምቲ ግና ካብ ሓይሊ ባሕሪ ሶማሊላንድ ደገፍ ከምዝነበረን ንሰበ ስልጣን ጅቡቲ ብምጥቃስ እቲ መርበብ ሓበሬታ የረድእ።

ሓንቲ ካብተን ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊረን ዝነበራ ኣርባዕተ ጀላቡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይሊ ባሕሪ ጅቡቲ ከምዝኣተወት’ውን የመልክት።

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ፍቓድ ዝሃበን ናይ ወጻኢ ኩባንያታት፣ ኣብ ክሊ ማያት እታ ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊረን ከምዘለዋ ይግለጽ።

ሓይሎ ኩባንያታት፣ ንማያዊ ክልል ካልኦት ሃገራት እናጠሓሳ’ውን ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ከምዝፍጽማ ብተደጋጋሚ ይጥቐስ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0