ሬክ ማቻር ናብ መንግስቲ ንምጽንባር ናብ ከተማ ጁባ ቅድሚ ምምላሱ፣ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊቱ ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ይሓትት

ሬክ ማቻር ናብ መንግስቲ ንምጽንባር ናብ ከተማ ጁባ ቅድሚ ምምላሱ፣ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊቱ ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ይሓትት

Radio Erena: 17 March 2016

Riek Machar

መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማቻር ናብ መንግስቲ ንምጽንባር ናብ ከተማ ጅባ ቅድሚ ምምላሱ፣ 23 ጀነራላት ዝርከብዎም ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊቱ ናብታ ከተማ ከዋፍር ምዃኑ ተገሊጹ።

እቶም 23 ጀነራላት ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ናብ ጅባ ክኣትዉ ምኳኖም ክሕበር እንከሎ፣ ኣስታት 3 ሽሕ ሰራዊትን ኣባላት ፖሊስን ከኣ ኣብዚ ቀረባ ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ትጽብት ኣሎ።

ሬክ ማቻር ብዘይካ’ዚ፣ ናብ መንግስቲ ንምጽንባር ናብ ከተማ ጅባ ቅድሚ ምምላሱ፣ ኣብ ከተማታት ቦር፣ ማላካልን በንቱይን’ውን ብውሕዱ 1200 ካብ ሓይልታቱ ክዋፈሩ’ዩ ዝደሊ።

 

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻርን ድሕሪ ዘካየድዎ ኣስታት ሓደ ዓመታ ዝወሰደ ዘተ፣ ሓባራዊ መንግስቲ ከቑሙን፣ ሬክ ማሻር ከኣ ከም ምክትል ፕረዚደንት ኣባል’ቲ መንግስቲ ክኸውንን ከምዝተሰማምዑ ይፍለጥ።

ሬክ ማቻር ናብ ከተማ ጅቡባ ቅድሚ ምምላሱ፣ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊቱ ናብተን ኣገደስቲ ከተማዋት ክዋፈሩ ምጥላቡ ከኣ፣ ኣብ ፕረዚደንት ሳልቫኪር እምነት ከምዘይብሉ ዘመልክት’ዩ።

እቲ ኣብ ኩለን ከተማታት ዝዋፈር ሰራዊት ተቓዋሚ ሓይሊ ምስቲ ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ ብምጽንባሩ ሃገራዊ ሰራዊት ንምምሳርት ውጥን ኣሎ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0