ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትንቀሳቐስ ዝነበረት መርከብ ስዑዲ ዓረብ ኣጥቂዖም

ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትንቀሳቐስ ዝነበረት መርከብ ስዑዲ ዓረብ ኣጥቂዖም

Radio Erena: 24 April 2018

houthi attack

ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ከባቢ ውደብ ሖዴዳ እትንቀሳቐስ ንዝነበረት ናይ ስዑዲ ዓረብ መርከብ ከምዘጥቅዑ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ድሒሩ ዝቐርብ ዘሎ ዝተፈላለየ ሓበሬታ፣ እታ ኣብ ፈለማ ዕለታት ናይዚ ወርሒ መጥቃዕቲ ወሪዱዋ ዘሎ መርከብ ወትሃደራዊት ምዃና ኣንፊቶም።

እንተኾነ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ እታ መርከብ ነዳዲ እተመላልስ ምንባራ’ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ልዕሊ እታ መርከብ ይኹን ሰራሕተኛታታ ዝወረደ ክሳራታት ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

ይኹን’ምበር ብመራኽብ ኵናት ስዑዲ ተዓጂባ ካብቲ መጥቃዕቲ ዝወረደላ ከባቢ ወደብ ሖዴዳ ክትስሕብ ከምዝኸኣለት መግለጺ ስዑዲ ይጠቅስ።

ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝንቀሳቐሳ መራኽብ ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ከጥቅዕ እዚ ፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ሑቲ ነዳዲ ዘመላልሳ 19 መራኽብ ስዑዲ ዓረብ ጅሆ ከምዝሓዘዩ ዝወቅስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0