ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ ሃ ናብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ ሃ ናብ ኢትዮጵያ ይበጽሕ

Radio Erena: 24 April 2018

UN comissioner

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘይድ ራ’ኣድ ኣል ሑሰን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ኮሚሽነር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ኣርባዕተ መዓልታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ነበርን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ክዘራረብ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሎሚ 24 ሚያዝያ ኣብ ዝጋባእ ኣኼባ ሓባራዊ ዘተ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ክሳተፍ ምዃኑ ዝተሓበረ ኮሚሽነር ኣል ሑሰን ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሓመድ ብምርኻብ ክዝቲ’ዩ።

ንሱ ኣብ ወርሒ ግንቢት 2017’ውን ተመሳሳሊ ዑደት ኣካይዱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሕ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ እታ ሃገር ብዘቕረበሉ ዕድመ ኮይኑ፣ እታ ሃገር ክትውቀሰሉ ብዝጸንሐት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብኣካል ንምዕዛብ መግለጺ ክህበሉ ካብ ዝብል እምነት’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ብምፍታሕ፣ ግኑን ስም ንዝጸንሖ ቤት ማእሰርቲ ማእከላዊ ጠቕሊላ ከምዝዓጸወቶ’ያ ትገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0