ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካዪዱ

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካዪዱ

Radio Erena: 17 September 2018

ethi airforceሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካዪዱ።

ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፣ እቲ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ መጥቃዕቲ ክፍኑ ዝዳሎ ዝነበረ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ዝዓለመ ምንባሩ ገሊጹ።

 

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብርጌደር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ መጥቃዕቲ መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ምንባሩን ዕዉት ከምዝነበረን ድሕሪ ምግላጽ፣ 70 ዝኾኑ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ’ውን ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ኣልሸባብ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ኣካዪዳ።

ኣፍሪኮም፣ በቲ ኣብ ዕለት 11 መስከረም ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝወረደ መጉዳእቲ ከምዘይነበረ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፣ ዝርዝራዊ መብርሂ ኣይሃበን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0