ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታትና ደገፍ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ የካዪዱ

ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታትና ደገፍ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ የካዪዱ

 Radio Erena: 16 September 2018

demo nay libya      ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ነቶም ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ዜጋታትና ደገፍ ክረኽቡ ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ የካዪዱ ኣለዉ።

     እዞም ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮነ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት፣ ኣብ ሊብያ ኣብ መንጎ ኲናት ሓድሕድ ተቐርቂሮም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ዝግዕዙሉ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዖም።

     ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ክካየድ ዝቐነየ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ‘ተጸዋዒ ስደተኛታት፣ ኣበይ ኣሎ’፣ ‘ስደተኛታት ይተሓገዙ’ ‘ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብ ስቓይን ሞትን ኣውጽኡልና’ ‘ሞት ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ የብቅዕ’ ዝብልን ካልእ ጭርሖታትን ብምልዓል፣ ድምጾም ኣስሚዖም።

 

     ኣብ ብሪጣንያ፣ ነዘርላንድስ፣ ጀርመን፣ ኢጣልያን፣ ሽወደንን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ፣ ኩነታት’ቶም ኣብ ሊብያ ዘለዉ ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝወርድ ዘሎ በደል ግቡእ ኣቓልቦ ዓለም ንኽረክብ ንምጽዓር ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

     ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈታት ተጸዋዒ ስደተኛታት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሰልፊ፣ ዝተፈላለዩ መደረታትን ጭርሖታትን ብምስማዕ ነቶም ኣብ መከራ ዝርከቡ ስደተኛታት ‘ኣብ ጎንኹም ኣለና’ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፣ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ምሕጽንታን ጥርዓንን ደብዳበ ናብ ተጸዋዒ ስደተኛታትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ንምብጻሕ ዕላማ ምግባሩ ሰልፈኛታት ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0