መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪሞም

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪሞም

Radio Erena: 17 September 2018

king sal_ess_aby     መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተረኽበሉ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ፈሪሞም።

     እቲ ብሰምበት 16 መስከረም ዝተፈረመ ውዕል ንዝርዝራቱ ብዝምልከት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

     ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ፣ ‘እዚ ስምምዕ ሰላም፣ ዝያዳ መሰረት ንምዕባለን ምሕዝነትን ምድልዳል ዘኽእል’ዩ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ብዛዕባ’ቲ ዝተኻየዘ ዘተ’ውን ዝሃቦ መብርሂ የለን።

 

 

     ኣብቲ ናይ ምፍርራም ስነስርዓት፣ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምኡ’ውን ላዕለዎት ሰበስልጣን ስዑዲ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተረኺቦም ኔሮም።

     ከምዝፍለጥ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ዕለት 9 ናይ ወርሒ ሓምለ ፈሪሞም እዮም። ተመሳሳሊ ውዕል ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ከይዶም ምፍርራሞም ነቲ ድሮ ሻቕሎት ፈጢሩ ዝጸንሐ ሓድሽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፣ ዝያዳ ሕቶታት ዝውስኽ’ዩ ክብሉ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ይገልጹ።

     ሒደት ሳምንታት ድሕሪ ምፍርራም ስምምዕ ሰላም፣ ክልቲኦም መራሕቲ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምኻድ ተመሳሳሊ ስነስርዓት ከምዘካየዱ ዘዘኻኸሩ ካልኦት ወገናት ከኣ፣ ምትእትታው ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጂኦፖለቲካዊ መልክዕ ሒዙ ከምዘሎ ዘነጽር’ዩ ክብሉ ትንታነታቶም ይህቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0