ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ኬንያ ከይገሹ መጠንቐቕታ ኣቕሪበን

ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ናብ ኬንያ ከይገሹ መጠንቐቕታ ኣቕሪበን

Radio Erena: May 20, 2014

kenya Secu

ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ዝካየድ ዘሎ ሽበራዊ መጥቃዕታት፣ ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ናብታ ሃገር ከይገሹ መጠንቐቕታ ኣመሓላሊፈን።

እተን ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ኣውስትራልያን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት፣ ዜጋታተን ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ብብዝሒ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝብገስሉ እዋን፣ ናብ ኬንያ ከይገሹ ምጥንቓቐን፣ ኬንያ ካብ ቱሪዝም እትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ ብኣሉታ ክጸልዎ ከምዝኽእል ይሕበር።

 

መንግስቲ ኬንያ፣ እቲ በተን ሃገራት ዝተመሓላለፈ መጠንቐቕታ፣ ንሽበራውያን ዘተባብዒ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንህሉው ኩነታት እታ ሃገር ዘጋንን’ዩ ክብል ቁጥዕኡ ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ’ቶም መጥቃዕታት ዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣልሸባብ ተሪር ስጉምታት ይወስድ ከምዘሎ ዝሓበረ መንግስቲ ኬንያ፣ ብፍላይ እቲ ኣብ ከተማታት ሞምባሳን ኬንያን ዘካይዶ ዘሎ ሃድን ብዝልዓለ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኬንያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ንዝበለቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ዜጋታት ሶማል ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወት ብሬድዮ ኤረና ብተደጋጋንሚ እዋን ክግለጸ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ኬንያ ብዝያዳ ክትደፍኣሉ ምዃና እትገልጾ ዘላ ስርሒት ምግፋፍ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢርሎም ይርከብ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0