ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ ቁጠባ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ መጠናዊ ዕብየት ከመዝግብ ከምዝኽእል ተገሊጹ

ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ ቁጠባ ኤርትራ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ መጠናዊ ዕብየት ከመዝግብ ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: May 20, 2014

UNECA

ባይታ ዘቢጡ ዝርከብ ቁጠባ ኤርትራ ኣብዚ ዓመት እዚ መጠናዎ ዕብየት ከርኢ ትጽቢት ከምዘሎ ሓድሽ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ።

ብመሰረት እቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ካብ ማዕድን ብእትረኽቦ ዘላ እቶት፣ ቁጠባኣ ካብቲ ወዲቕሉ ዘሎ ብ6.6 ሚእታዊት ክትንስእ ተኽእሎ ኣሎ።

ሓፈሻዊ ቁጠባዊ ዕብየት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ብገምጋም 6.4 ሚእታዊት ክኸን ተነብዩ ዘሎ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፣ ቁጠባዊ ዕብየት ኢትዮጵያ ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ0.4 ክጎድል ምዃኑ ገምጊሙ።

እታ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገዚፍ ቁጠባቂ ዕብየት ከተመዝግብ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ኣብ 2011, 11.2 ዝነበረ ቁጠባዊ ዕብየታ ካብ ዓመት ናብ እናንቖልቖለ ኣብዚ ዓመት እዚ ናብ 6.5 ክወርድ’ዩ ዝብል ግምት ከምዘለዎ’ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ (UNECA) ኣንፊቱ።

 

ብደረጃ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክረእ እንከሎ ድማ፣ ኣብዚ ዓመት እዚ 24 ሃገራት ቁጠባዊ ዕብየት ከመዝግባ ትጽቢት ኣሎ።

ብሓፈሻ’ውን ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ ብገምጋም ካብ 4 ናብ 4.7 ሚእታዊት ክዓቢ’ዩ።

እዚ ድማ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዝልዓለ ዝሰርሓሉ ዘሎ ወፍሪ ነዳዲን ዕደናን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቕስ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኤርትራ፣ ካብ ዕደና ዝረኽቦ ኣታዊታት ንሚኒስትሪ ፋይናንስ ይኹን ካልኦት ፊናንስያዊ ኩነታት ኤርትራ ክቖጻጸራ ዝግብአን ሃገራውያን ትካላት ብወግዒ ስለዘይሕበር፣ ኤርትራ ካብ ማዕድን እትረኽቦ ዘላ እታዊታት ብልክዕ ክንደይ ምዃኑ ዝፍለጥ ነገረ የለን።
===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0