ኢትዮጵያ ካብ ቻይና ብልቓሕ ዝዓደገተን ትሽዓተ መራኽብ ወደብ ጅቡቲ ኣትየን

ኢትዮጵያ ካብ ቻይና ብልቓሕ ዝዓደገተን ትሽዓተ መራኽብ ወደብ ጅቡቲ ኣትየን

Radio Erena: May 19, 2014

ethio ship

ኢትዮጵያ ካብ ቻይና ዝዓደገተን ትሽዓተ ናይ ንግዲ መራኽብ፣ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣትየን።

እተን ነፍሲ ወከፈን፣ ኣስማት ናይ ኣብ ክልላት ዝርከባ ከተማታት ኢትዮጵያ ተዋሂብወን ናብ ወደብ ጅቡቲ ኣትየን ዘለዋ ትሽዓተ መራኽብ፣ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ልቃሕ ከምዝተሰርሓ’ውን ዎርልድ ቢስነስ ቡለቲን ሓቢሩ።

 

እተን ኣብ ቻይና ዝተሰርሓ ትሽዓተ መራኽብ ናብ ኣገክልግሎት ንኽውዕላ ናብ ወደብ ጅቡቲ ኣብ ዝኣተዋሉ፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ እተን መራኽብ ቅልጡፍ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዘመልክታ’የን ክብል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ብወገኑ፣ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን እታ ኣገልግሎት ወደብ እትህባ ዘላ ጅቡትን ዘሎ ዝምድና፣ ንኽልትኤን ሃገራት ከም ሓደ ዝጠመረ’ዩ ድሕሪ ምባል፣ ልምዓት ኢትዮጵያ ንጅቡቲ ኣዝዩ ጠቓሚ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ወደብ ጅቡቲ ካብ ኣድስ ኣበባ ናይ 900 ኪሎሜተር ርሕቐት ዘለውን እቲ ወደብ ቀዳምነታት ንሃገራት ምዕራብ ዝህብን ደኣ ይኹን’ምበር፣ ነታ ድሕሪ ግጭት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ወደብ ዓሰብ ናይ ኤርትራ ኣገልግሎት ክትረክብ ዘይክኣለት ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ እንኮ ኣማርጻ’ዩ።

ወደብ ዓሰብ ዝበዝሐ ኣገልግሎቱ ንኢትዮጵያ ይህብ ብምንባሩ፣ ድሕሪ’ዚ ናይ 1998 ጝችት እዘን ጎረባብቲ ሃገራት፣ እትትትቲ ወደብ ብዘይዝኾነ ኣገልግሎት ስራሕ ፈቲሑ ይርከብ።

በንጻሩ ብጻዕቒ ኣገልግሎታት ተዋጢራ እትርከብ ጅቡቲ፣ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘገልግሎት ካልእ ወደብ ኣም ስምራሕ ከምእትርከብ ትገልጽ።
=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0