ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ነበር፣ ብኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ንዝተወስደ ስጉምቲ ደጊፎም

ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ነበር፣ ብኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ንዝተወስደ ስጉምቲ ደጊፎም

Radio Erena: 14 September 2018

former asm membersኣብ ስደት ዝርከቡ ሓሙሽተ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ነበር፣ ብኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ንዝተወስደ ስጉምቲ ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም።

ንሳቶም ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ብሰላማውን ሕጋውን ዝኾነ ስልጡን ኤርትራዊ ኣገባብ ስልጣኑ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ዘረክበሉ መስርሕ ኣሚሙ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ስልጣን ናብ ህዝቢ ተረኪቡ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ ዝኾነ መንግስቲ ንኽትከል ዝቐረበ ጻውዒት ኣጥቢቕና ንድግፍ ኢሎም።

 

እቶም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ነበር ኣብ መግለጺኦም፣ ነቲ ቅድሚ 57 ዓመታት ዝጀመርናዮ መብጽዓ ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ዝግበኣና ብምዃኑ ብቐረባ እንፈልጦን ክንሰርሓሉ ዘሎና ምዃኑን ተገንዚብና፣ ነዚ ንኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪድካ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ቀሪቡ ዘሎ ጻውዒት ብዘይዝኾነ ምጥርጣር ከምእድግፎ ብክታምና ነረጋግጽ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፣ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፣ ኣቶ መሓመድ ቡርሃን ብላታ ከምኡ’ውን ኣቶ መሑየዲን ኣቡበከር ሸንገብ ኣብ መወዳእታ፣ ንብርሃነ ኣብረሀ ምድጋፍ ንህዝባዊ ቃልስን ንልዕልነት ዲሞክራሲን ምድጋፍ’ዩ ኢሎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0