ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ይጠሓስ

ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ይጠሓስ

Radio Erena: 16 September 2018

 lam paul     መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ዋዕላ ኢጋድ ዝፈረሙዎ ስምምዕ ሰላም፣ ሓደ መዓልቲ ከይጸነሐ ተጣሒሱ።

     ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ሪክ ማቻርን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኢጋድ ኣብ ዝተረኽቡሉ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፣ ሒደት ሰዓታት ድሒሩ፣ ኣብ ደቡባዊን ምዕራባዊን ዞባታት’ታ ሃገር ውግእ ምክያዱ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

 

     ተቓወምቲ ሓይልታት፣ እቲ ንሳልስቲ ዝኸደ ውግእ ሰራዊት መንግስቲ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ እዩ ጀሚሩ፣ ብምባል ንመንግስቲ ወቒሱ።

     ወሃብቃል’ቲ ውድብ ላም ፖል ጋብሪኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሰራዊት መንግስቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ከባቢታት ፈለግ የይ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ድሕሪ ምግላጽ፣ ኣብ ዘካየዱዎ ጸረ መጥቃዕቲ 8 ወተሃደራት መንግስቲ ከምዝተቐትሉን ሓያሎ ኣጽዋር ከምዝማረኹን ሓቢሩ።

     ኣፈኛ ሰራዊት መንግስቲ ሉል ኮዋንግ ብኣንጻሩ፣ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ደቡብን ምዕራብን’ታ ሃገር ብወገን ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ ጀሚሩ፣ ስዕረት ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ከኣ ከም ግዳያት ኮይኖም ክቐርቡ እዚ ናይ ፈለማ ፕሮፓጋንዳኦም ኣይኮነን ክብል ነቲ ክሲ ነጺጉዎ።

     ኲናት ሓድሕድ ደቡብ ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ንምዕራፍ፣ ኣብ ነሓሰ 2015 እውን ዘተ ሰላም ከምዝተፈረመ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0