ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ 114 ስደተኛታት ቀይዱ

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ 114 ስደተኛታት ቀይዱ

Radio Erena: 6 June, 2014

Lbya ref

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ብጃልባ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ 114 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ የእትዩ።

እቶም ስደተኛታት ካብ ትሪፑሊ ድሕሪ ምብጋሶም፣ ቁሩብ ከይርሓቑ’ዮም ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም።

መብዛሕቶም እቶም ተታሒዞም ዘለዉ ስደተኛታት ዜጋታት ሰራልዮን ምዃኖም ሓደ ካብ ሰበ ስልጣን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ።

 

ሰራዊት ሊብያ ኣቐዲሙ’ውን ካብ ሱዳን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ 200 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምሓዙ’ዩ ተገሊጹ’ዩ።

=================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0