60 ዶላር ንምስራቕ ንሓደ ኤርትራውያን ስደተኛ ብጉስጢ ዝሃረመ ኣውስትራልያዊ ትሽዓተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

60 ዶላር ንምስራቕ ንሓደ ኤርትራውያን ስደተኛ ብጉስጢ ዝሃረመ ኣውስትራልያዊ ትሽዓተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 6 June, 2014

Eri attack

ካብ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ 60 ዶላር ንምስራቕ፣ ከቢድ ጉድኣት ዘውረደ ኣውስትራልያዊ ንትሽዓተ ዓመት ክእሰር ተፊሩ።

እቲ ናብ ኣውስትራልያ ካብ ዝኣቱ ሓሙሽተ መዓልቱ ጥራይ ጌሩ ዝነበረ ኤርትራዊ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጎደና እናተጓዓዘ እንከሎ፣ ቲሞቲ ዊልያምስ ዝተባህለ ኣውስትራልያዊ ምስ ጄሚ ሊ ሃይንስ ምስ ዝተባህለ ዓርኩ ደው ኣቢሎም ኣድራሻ ዝሓቱ ተመሲሎ’ዮም፣ እቲ ኣውስትራልያዊ ነቲ ኤርትራዊ ብሃንደበት ብጉስጢ ዘውደቖ።

 

እቲ ብሃንደበታዊ ጉስጢ ዝተሃርመ ኤርትራዊ ኣብ ባይታ ምስ ወደቐ እቲ ወዲ 26 ዓመት ኣውስትራልያዊ ደጋጊሙ ከምዝሃረሞን 60 ዶላር፣ መነጽር ዓይኒን ናይ ክሳድ ካቴናን ዘሚትዎ ከምዝኸደን ኣብ ጎደና ብዝንጥልጠላ ካሜራታት ተሰኒድዩ ስለዝጸንሐ’ዩ ብፖሊስ ተታሒዙ።

እቲ ኤርትራዊ ስደተኛታ በቲ ዝወረዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣስናኑ ክረግፍ እንከሎ፣ ኣብ እዝኑ ብዝወረዶ ጉድኣት’ውን ክሳብ ምስፋይ በጺሑ’ዩ።

ነቲ ገበን ዝፈጸመ ኣውስትራልያዊ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ክርአ ድሕሪ ምጽናሕ ንትሽዓተ ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ
===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0