ሩስያ ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ወፍሪ ከተካይድ ትደሊ

ሩስያ ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ወፍሪ ከተካይድ ትደሊ

Radio Erena: 5 June, 2014

rus Eritrea

ሩስያ ኣብ ኤርትራ ናይ ዕደና ወፍሪ ከተካይድ ከምእትደሊ ገሊጻ።

ሩስያ ነዚ ዝገለጸት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ሩስያ ዑደት ብምክያድ ምስ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሚኻኤል ቦግዳኖቭ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንምብጻሕ ናብ ሩስያ ዑደት ከካይድ እዚ ንመበል ካልኣይ ግዚኡ’ዩ።

 

ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣቐዲሙ ኣብ ዘካይዶ ዑደት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ሰርጌ ላሮቭ ብምርኻብ፣ ኣብ ንግድን ወፍርን ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየደ ይዝከር።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ዑደቱ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ቀጥታዊ ዝርርብ ከካይድ ከምዝደሊ እኳ እንተገለጸ፣ ቭላድሚር ፑቲን ብጉዳይ ዩክሬንን ሶርያን ኣብ ጽዑቕ ንጥፈታት ስለዘሎ፣ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ እብዚ እዋን’ዚ ግብራዊ ክኸውን ከምዘይክእል ይግለጽ።

ይኹን’ምበር ሩስያ ብፍላይ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ጎላጉል፣ ዳህሳስ ፖታሽ ዝተባህለ ማዕድን ከተካይድ ከምእትደሊ ካብ ሩስያ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0