ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ፣ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምዕጋት፣ ሓንቲ ነፋሪትን ድሮን ከዋፍር’ዩ

Radio Erena: 30 November 2021

ሓለዋ ዶባት ኤውሮጳ፣ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንምዕጋት፣ ካብ ሓደ ታሕሳስ ኣትሒዙ ነፋሪት ከዋፍር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እታ ነፋሪት፣ ካብ ጎማ ብዝተሰርሓ ጀላቡ ተጠቒሞም ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ንዝፍትኑ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ብምክትታል ናብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሓበሬታ ክትልእኽ’ያ።

ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ’ዚ ንብሪጣንያን ፈረንሳን ኣሰሓሒቡ ዘሎ ጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፣ ከተማ ካሌ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ብተወሳኺ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ምንቅስቓስ ስደተኛታት ዝከታተላ ድሮን ክዋፈራ ኣብ ዝብል ዘትዮም።

ፈረንሳ፣ ብዛዕባ’ዚ ገኒኑ ዘሎ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ምስ ብሪጣንያ ብምዝታይ ንምፍትሑ ቅርብቲ ምዃና ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፣ ጀራልድ ዳርማና ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ፈረንሳ ጅሆ ናይቲ ንብሪጣንያ ዝገጥማ ዘሎ ዘቤታዊ ኩነታት ከምዘይትኸውን እቲ ሚኒስተር ኣገንዚቡ።

ሚኒስተራት ሃገራት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ’ዚ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ፣ ዝካየድ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ህጹጽ ዘተ ዘካየዱ፣ ካብ ጎማ ብዝተሰርሐት ጃልባ ተጠቒሞም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ 31 ስደተኛታት፣ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዘጋጠሞም ናይ ሞት ሓደጋ’ዩ።

ፈረንሳ መቓብር ብጀላቡ ክሰግሩ ናይ ዝፍትኑ ስደተኛታት ክትከውን ኣይንፈቅድን ኢና ክብል ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮን ድሕሪ’ቲ ሓደጋ ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 18 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት፣ ብጀላቡ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ተበጊሶም ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም።

እዚ ዋሕዚ’ዚ ፈረንሳ ዶባታ ክትሕሉ ብዘይምኽኣላ ዝሰዓበ ምዃኑ’ያ ብሪጣንያ ትነቅፍ።
ፈረንሳ ብወገና፣ ብሪጣንያ ንጉዳይ ስደተኛታት፣ ንፖለቲካዊ ዕላማ ተጋንኖ ኣላ ክትብል ትምልስ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0