ሑቲ ናይ የመን ናብ ርእሰ ከተማ ሪያድ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ ገሊጹ

Radio Erena: 24 June 2020

ሑቲ፣ ብሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን፣ ኣብ ከተማ ሪያድ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ የመን፣ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ሚዛን ወኒኑ ዝርከብ ሑቲ፣ ኣብቲ ትማሊ ሰሉስ፣ ኣብ ርእሲ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ንቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻልን ወትሃደራዊ ማእከላትን ዒላማ ከምዝገበረ’ዩ ሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ ብወገና፣ ሑቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወላ እኳ እንተዘይከሓደት፣ ነቲ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ በረርትን ዒላምኡ ከይሃረመ ከምዘምከነቶ ገሊጻ።

ሮይተርስ ንናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ከተማ ሪያድ፣ ናይ ምንጃር ድምጺ ከምዝተጸምዐን ትኪ ክበንን’ውን ከምዝተራእየን ኣረጋጊጹ።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኤርትራ ንእትርከብን 35 መሻርኽቲ ሃገራት ኣኽቲተን፣ ንሑቲ ንምድምሳስ ኣብ 2015 ኣብ የመን ዝኸፈትኦ መጠነ ሰፊሕ መጥቅዕቲ፣ ወትሃደራውን ፖለቲካውና ዓወታት ክጎናጸፋሉ ኣይከኣላን።

ብወትሃደራዊ ሓይሊ ክዕወታ ዘይክኣላ ሓይልታት ልፍንቲ፣ በብሓደ ካብ የመን ድሕሪ ምስሓበን፣ እቲ ጉዳይ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽትን ምትእትታው ይጠልባ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0