ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ስምምዕ ናይል ንኢትዮጵያ ከገድዳ እንተዘይክኢሉ፣ ግብጺ ናይ በይና ኣማራጺ ከምዝህልዋ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 24 June 2020

ኢትዮጵያን፣ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ኣጠቓቕማ ናይልን፣ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ማይ ዘዕቑረሉ ኣገባብን ብመንገዲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ እንተዘይክኢለን፣ ግብጺ ናይ ገዛእ ርእሳ ኣማራጺ ከምዝህልዋ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳመሕ ሾክሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዘፍለጠ፣ ሰለስትኤን ሃገራት ክሰማማዓሉ ዘይክኣላ ጉዳያት ብዘተ ክፈትሓ፣ ባይቶ ጸጥታ ድሕሪ ዘቕረቦ ጻውዒት’ዩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ ሰለስቲኤን ሃገራት ዘካየድኦ ዝርርብ ብዘይፍረ ተበቲኑ’ዩ።

ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከረዳድአን ንዘይክኣለ ጉዳያት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ናብ ዘተ ክምለሳ ኣፈኛ ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪች ተምሕጺኑ።

ግብጺ ብወገና፣ ባይቶ ጸጥታ፣ ኢትዮጵያ ናብ ስምምዕ ክትበጽሕ ከገድድ እንተዘይክኢሉ፣ ካልእ ኣማራጺ ክትወስድ ምዃና ደጋጊማ ተጠንቅቕ ኣላ።

እንተኾነ እቲ “ካልእ ኣማራጺ” እትብሎ ዘላ ብጽኑር ኣይገለጸትን።

ግብጺ ብዘይካ’ዚ፣ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቃቕማ ናያልን እባ ጉዳይ ሊብያን ዘተኮረ ህጹጽ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ክካየድ ጸዊዓ’ያ።

ኢትዮጵያ፣ ምስ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ስምምዕ ትብጻሕ ኣይትብጻሕ ብዘየገድስ፣ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ፣ ንዲጋ ሚለንዮም ማይ ከተዕቁረሉ ከምእትጅምር ኣፍሊጣ ኣላ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0