ሶማል፣ ኣብ መዓስከር ቱርኪ ኣብ ዝተካየደ መጥቃዕቲ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 24 June 2020

ኣብ ሶማል፣ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከት ቱርኪ ኣብ ዝተካየደ መጥቃዕቲ፣ ክልተ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራዊ መዓስከር ቱርኪ ንመጀመርያ እዋኑ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣልሸባብ ከምዝፈጸሞ ገሊጹ ኣሎ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ቱርኪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ በቲ መጥቅዕቲ ሓደ ሶማላዊ ክቕትል እንከሎ ሓደ ካልእ ድማ ምቑሳሉ ብምጥቃስ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ቱርኪ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ ኣንፊቱ።

ቱርኪ፣ ሰራዊት መንግስቲ ሶማል ንምድጋፍ፣ ኣብ 2017 ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ወትሃደራዊ መዓስከር ምቛማ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር፣ ብዝሒ ኣብ ሶማል ኣዋፊራቶ ናይ ዘላ ሰራዊትን ይኹን ኣጽዋር ኣይተነጸረን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0