ልዕሊ 60 ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ህዝቢ ኤርትራ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክዕደሎ ዝጠልብ ጥርዓን ኣቕሪቦም

Radio Erena: 03 Febraury 2022

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ልዕሊ 63 ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና፣ ህዝቢ ኤርትራ ክታበት ኮረና ቫይረስ ክዕደሎ ዝጠልብ ጥርዓን ናብ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣቕሪቦም።

እቶም ሰበ ሞያ ጥዕና፣ ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝልኣኽዎ መልእኽቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ ምስ ውድብ ጥዕና ዓለም ብምትሕብባር፣ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ናይ ምብጽጻሕ መደብ COVAX ከምዘይተጸንበረ ብምዝክኻር፣ ብሰንኩ ድማ ኤርትራውያን ካብ ክታበት ተሓሪሞም ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ዜጋታቱ ክታበት ኮረና ቫይረስ ንኸይረኽቡ ሓላፍነቱ ካብ ምስካብ ስለዝቦኸረ፣ እቲ ጉዳይ ኣተኩሮ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ረኺቡ፣ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ክታበት ክበጽሖ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ጻውዒት ክገብሩ ሞራላዊ ግዴታ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ኤርትራን ሰሜን ኮርያን፣ ኣብ ዓለም እተን ንህዝበን ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ዘይጀመራ ክልተ ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ በይና ጥራይ’ያ።

ክታበት ንዘድልዮም ዜጋታት ክትቕርብ ዘይምኽኣል፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ምግታእ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ዝህልዎ መሰናኽል፣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ‘ውን ዕንቕፋት ክኸውን ከምዝኽእል፣ ምግላል ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ ዙር ርዋንዳ 2022 ከም ኣብነት ክጥቐስ ይከኣል።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0