ሶማሊላንድ፣ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕራ ክዕስክር ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ኣፍሊጣ

Radio Erena: 04 February 2022

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ሰራዊት ኣመሪካ ንገማግም ባሕራ ክጥቀመሉ ከምዝኽእል ኣፍሊጣ።

እታ ርእሰ ምምሕዳር ነዚ ተፍልጥ ዘላ፣ ናጻ ሃገር ምዃና ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣፍልጦ ክወሃባ ኣብ እትደፍኣሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ሙሰ ቢሒ፣ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት፣ ናብ ዋሽንግተን ዑደት ብምክያድ፣ ኣብ ናጽነት ሶማሊላንድን ረብሓታት ኣመሪካ ኣብቲ ዞባን ዘተኮረ ምይይጥ ከካይድ ትጽቢት ኣሎ።

ኣመሪካ፣ ንገማግም ባሕሪ ሶማሊላንድ፣ ንሓይሊ ባሕሪ ይኹን ሓይሊ ኣየርን ካልእ ናይ ሰራዊት ኣገልግሎታትን ክትጥቐመሉ እንተሓቲታ፣ ፕረዚደንት ቢሒ ብዘይጥርጥር ከምዘፍቅድ፣ መርበብ ዜና፣ ዎል ስትሪት ጆርናል፣ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ዒሰ ካያድ ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣስታት 4,500 ዝግመት ሰራዊት ዘለዋ ኣመሪካ፣ ምትእትታው ቻይና ናብቲ ዞባ ስለዘስግኣ፣ መዓስከራታ ተስፍሕ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ 1991 ካብ ሶማል ተፈልያ፣ ናጽነታ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ፣ ኣመሪካ ምስ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት፣ ዲፕሎማስያዊ ርክባት እኳ እንተለዋ፣ ከም ናጻን ሉኣላዊትን ሃገር ዛጊት ብወግዑ ኣህጉራዊ ተፈላጥነት ኣይረኸበትን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ምስ ‘ዛ ‘ዘይትንጸል ኣካል ሶማል’ ምዃና ዝጠቕሳ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ብተናጸል ዝግበር ወትሃደራዊ፣ ቁጠባዊ፣ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያውን ስምምዓት፣ ንሉኣላውነት ሶማል ከም ምግሃስ ከምዝርእዮ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0