ንኤርትራ ዝገለለ፣ እስራኤል ድማ ንመጀመርያ እዋና ዝተጸንበረቶ ሓባራዊ ወትሃድራዊ ልምምድ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 03 February 2022

እስራኤል ንመጀመርያ እዋና ዝተጸንበረቶ፣ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ሓያሎ ሃገራት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ካብ 31 ጥሪ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ፣ ‘ኣህጉራዊ ክሊ ማይ’ ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሓይልታት ባሕሪ ጂቡቲ፣ ሶማል፣ የመን፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ባሕሬን፣ ዖማን፣ ኮሞሮስ፣ ፓኪስታን፣ እስራኤልን ካልኦት ሃገራትን ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣብቲ ሓባራዊ ልምምድ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ልዕሊ 60 ኣሃዱታት ዝተዋጽኡ ኣስታት 9 ሽሕ ኣባላት ሓይልታት ባሕርን ኣየርን ምስ 50 መራኽብ ኵናትን ይሳተፉ ምህላዎም ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ክሊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝርከባ ሃገራት፣ ኣብዚ ‘ብዕብየቱ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘ’ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ልምምድ ዘይተጸንበረት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ’ያ።

እቲ ኣብ ምእካብ ስለያ፣ ፍሉይ ስርሒታት፣ ምጥቃዕን ምክልኻልን ዘጠቓለለ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ክሳብ 17 ለካቲት ክጸንሕ’ዩ።

እስራኤል፣ ኣብዚ ከም ሃገር’ውን ኣፍልጦ ምስ ዘይህበኣ ዝነበራ ሃገራት፣ ንመጀመርያ እዋና ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምክያዳ፣ ኣብቲ ዞባ ካብ ኢራን ክመጽእ ንዝኽእል ስግኣታት፣ ኣብቲ ዞባ ምስ ዝርከባ ሃገራት ብሓባር ደው ንምባል ዘለዋ ቅርቡነት ዘርኢ ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ክሊ ማይ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ልምምድ፣ ‘ንዞባዊ ምትሕግጋዝ ዘዕቢ’ዩ’ ክብል መግለጺ ሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ።

ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወግዓዊ ዝምድና ዝመስረተት እስራኤል ምስ ስዑዲ ዓረብ’ውን ተበግሶታት ከምዘሎ ይግለጽ እኳ እንተኾነ፣ ብወግዒ ግና ኣይተሓበረን።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    Selam 2 years ago

    Wey Eritra adey ab ide sefatu wedika